top of page
  • Writer's picturebahr

ሥርዓት ጸሎት ዘሰሙነ ሕማማት

17/08/2011 ዓ.ም


ዘሰሙነ ሕማማት



ሥርዓት ጸሎት ዘሰሙነ ሕማማት

በዚ ሰሙን እዚ ዝካየድ ሥርዓተ ጸሎት ካብ ናይ ወትራ ጸሎት ፍልይ ዝበለ እዩ።እዚ ሰሙን እዚ ከም ኦሪት ዘመን ስለ ዝሕሰብ ካህናት መስቀል ኣይሕዙን(ምክንያቱ ኣብ ኦሪት ዘመን መስቀል ናይ ወንጀለኛ መስቐሊ ስለ ዝነበረ እዩ።)፣ሥርዓት ቅዳሴ ኣይካየዲን(ከ ሓሙስ በስተቀር)፣ጸሎተ ፍጥሐት ኣይካይዲን ወዘተ..።

ስለዝኾነ ድማ ምእመነን ብሓደ(፩)፣ሰለስተ(፫)፣ሽዱሽተ(፮)፣ትሽዓንተ(፱)፣ዓሰርተ ሓደ(፲፩) ሰዓት እናተሰበሰቡ ካብዚ ብታሕቲ ዝተጸሓፈ በበየ ሰዓቱ እናሰገዱ ካህኑን ብምኽታል ንኽጽልዩ ተኣዘዙ።

ለከ ኃይል ክብር ወስሐብት ወእዘዝ እስከለዓለም።

ኣማኑኤል ኣምላኬ ለከ ኃይል ክብር ወስሐብት ወእዘዝ እስከለዓለም።

እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለከ ኃይል ክብር ወስሐብት ወእዘዝ እስከለዓለም።

ኃይልየ ወጸወንየ ውእቱ እግዚእነ እስመ ኮነኒ ረዳእየ እብል በኣኮቴት።

ብድሕሪ እዚ ሕዝቡ ካህናቱ እናተኸተለን ጸሎቱን እናመላለስን ፲፪ ጊዜ ኣቡነ ዘበሰማያት ይድገሙ።ብምቕፃል ደሞ እናተኸተሉን እናማላለሱን ከምዚ ይበሉ።

፩፤ ለኣምላክ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከለዓለም

፪፤ ለሥሉስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከለዓለም

፫፤ ለማሕየዊ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከለዓለም

፬፤ ለዕዘዙ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከለዓለም

፭፤ ለመንግስቱ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከለዓለም

ከ ፮ እስከ ፱ ዘለው ኣብ ዓርቢ ስቕለት ጥራሕ ዝበሃሉ እዮም።

፮፤ ለእየሱስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለምለዓለም እስከ ለዓለም

፯፤ ለክርስቶስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለምለዓለም እስከ ለዓለም

፰፤ለሕማሙ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለምለዓለም እስከ ለዓለም

፱፤ ለመስቀሉ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ ለዓለምለዓለም እስከ ለዓለም

ዝስዕብ ደሞ ፫ ጊዜ መላሊሶም ይበሉ።

ለከ ይደሉ ኃይል ወለከ ይደሉ ስብሐት ወለከ ይደሉ ኣኮቴት

ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለዓለም ዓለም።

ብድሕሪ እዚ ነናይ ሰዓቱ ዝተወሰነሉ ስርዓት ናይ ሊቃውንት መጽሓፍት ፣ድርሳናት ፣ ናይ ነብያት ትንቢት ምስተነበበ እና ምስባክ ተሰቢኩ ወንጀል ይንበብ ። ብድሕሪ እዚ ካህኑ “በእንተ ጽንዓ ዛቲ” ክብል እንከሎ ሕዝቡ ደሞ “እግዚኦ ተሣህለነ “(ኣቤቱ ይቅር በለና) እናበለ ይሰግዳል።

ብድሕሪ እዚ ዝስዕቡ ጸሎት እናተቐባበሉ ምስ ካህናት ሓቢሮም ይበሉ።

ክርስቶስ ኣምላክነ ዘመጽዓ ወሐመ በእንቲኣነ በሕማማቲሁ ቤዘወነ

ንሰብሖ ወናልዕል ስሞ ሕቡረ እስመ ውእቱ ገብረ መድኃኒተ በብዝኃ ሣህሉ

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን እብኖዲ ናይን ኪርያላይሶን

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ታዖስ ናይን ኪርያላይሶን

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ማስያስ ናይን ኪርያላይሶን

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኢየሱስ ናይን ኪርያላይሶን

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ክርስቶስ ናይን ኪርያላይሶን

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኣማኑኤል ናይን ኪርያላይሶን

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ትስቡጣ ናይን ኪርያላይሶን

ብድሕሪ እዚ ብኽልቲኡ ወገን ፵፩ ኪርያላይሶን ይበሃል።

ገጽ 1 ለከ ኃይል….

ሥርዓተ ጸሎት ዘዓርብ

በነግሀ: ምንባብ፥

ምስባክ፦እስመ ቆመ ላዕሌየ ሰማዕተ ዐመፃ

ወሐሰት ርዕሰ ዐመፃ። መዝ ፳፮፥፲፪.

ከማቲዎስ ወንጌል ፳፯፥፩_፩፭ : ምራትወጽቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ይስቅልዎ ለኢየሱስ ዲበ ዕፀ መስቀል።

ከማርቆስ ወንጌል ፩፭፥፩_፯ :ምራት፦ወጻቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ኣውጽዕዎ ኣፍኣ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቅልዎ።

ከሉቃስ ወንጌል ፳፥፩_፲፪ :ምራት፦ወጾቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ኣውጽዕዎ ለኢየሱስ ወመጠውዎ ለዺላጦስ።

ገጽ 1 ለከ ኃይል….

ገጽ 2 ………..(“በእንተ ጽንዓ ዛቲ……”)

ከዮሓንስ ወንጌል፲፱፣፳፱_ፍጻሜ :ምራት፦ወጽቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ኣውጽዕዎ ለኢየሱስ ወነበረ ኣውዶ ሶቤሃ። .

በሠለስቱ ሰዓት ምንባብ፥ ዲያቁን:- በውርድ ንባብ ግፍኦሙ (መዝ )ያንብብ።

ኣብዚ ሰዓት እዚ ሕዝቡን ካህናቱ ብምኽታል እናዜሙ ይሰግዳሉ።

ካህናት በየተራ ግዜ ከምዚ ይብሉ፣

ምስባክ፦ዐገቱኒ ከለባተ ብዙኃን (2)

ወኣኅዙኒ ማኅበሮሙ ለእኩያን።መዝ፳፩፥፲፮

ግፍኦሙ እግዚኦ ለእለ ይገፍኡኒ (2)

ጽብኦሙ እግዚኦ ለእለ ይጸብኡኒ።

ከማቲዎስ ወንጌል ፳፯፡፲፮_፳፯:ምራት፦ጊዜ ሠለስቱ ሰዓት ኣኃዝዎ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቀልዎ።

ከማርቆስ ወንጌል ፲፭፤፭_፲፭:ምራት፦ጊዜ ሠለስቱ ሰዓት ቀሰፎ ዺላትጦስ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቀልዎ።

ገጽ 2 (በእንተ ጽንዓ ዛቲ……”)

ከሉቃስ ወንጌል ፳፫፡፲፫_፳:ምራት፦ጊዜ ሠለስቱ ሰዓት ኣሕየወ ሎሙ በርባንሃ ወወሃቦሙ ለኢየሱሃ ይስቀሉ።

ገጽ 1 ለከ ኃይል….

ከዮሐንስ ወንጌል ፲፱፡፩_፲፫:ምራት፦ጊዜ ሠለስቱ ሰዓት ወሰድዎ ለኢየሱስ ውስተ ኣውደ ምኩናን።

ስድስቱ ሰዓት ምንባብ፥

ዲያቁን፦ከዻውሎስ መልእክት ወደ ገላትያ ፮፡፲፬_፲፯

ዲያቁን፦” መኑ ዝንቱ “ ዝብል እናኸፈለ ብውርዲ ንባብ ያስምዕ።

ምስባክ፦ቀነውኒ እደውየ ወእግርየ (2)

ወኆለቁ ኩሉ ኣዕጽምትየ።

ካህን፦ሠለስተ ካህናት በየተራ ከክሠለስት ጊዜ ብውርዲ ንባብ ክፍልታት መካከል ለመስቀልከን ያዜማሉ።ሕዝቡ ደሞ ብሓባር እናተቐበሉ ይሰግዳሉ።ለመስቀልከ ንሰግድ ሊቅነ ወለትንሣኤከ ቅድስተ

ሕዝቡ ምስባኩ እናተቐበለ ይሰግዳል።

ንሴብሕ ኩልነ ይእዜኒ ወዘልፈኒ።

ከማቴዎስ ወንጌል ፳፯፡፳፯ :ምራት፦ጊዜ ስድስቱ ሰዓት ኣልበስዎ ኣልባሲሁ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቀልዎ።

ከማርቆስ ወንጌል ፲፡፲፯_፴፯ :ምራት፦ጊዜ ስድስቱ ሰዓት ኣበጥዎ ለስምዖን ከመ ይጽር መስቀሉ።

ከሉቃስ ወንጌል ፳፫፡፳፯_፵፭ :ምራት፦ጊዜ ስድስቱ ሰዓት ሰቀልዎ ለኢየሱስ በቀራንዮ መካን።

ከዮሓንስ ወንጌል ፲፱፡፲፫_፳፯ :ምራት፦ጊዜ ስድስቱ ሰዓት ቀትር ሶቢሃ ሊቃነ ካህናት ሰቀልዎ ለኢየሱስ ማዕከለ ክልኤ ፈያት።

ኣምንስቲቲ ሙኪርያ ኣንቲ ፋሲልያሱ

ኣምንስቲቲ ሙኣግያ ኣንቲ ፋሲልያሱ

ኣምንስቲቲ ሙዳሱጣ ኣንቲ ፋሲልያሱ

ሓሙሽተ ሉእኻን፦ፀሊም መጎናፀፍያ ተሸፊኖም ብሓባር ሠለስት ጊዜ ኣምንስቲቲ ይብሉ።

ሕዝቡን ፡-ደሞ ኮፍ ኢሉ ማእገሩ ብምድናን ሓዘን ብዝተመልኦ ዜማ ይቕበል።

ዲያቁን፦”ተዘከረነ ..” በየ ምዕራፉ ብውርዲ ንባብ ያንብብ።

ካህናት፦ኣርባዕተ ካህናት ንሕድሕዶም ሠለስተ ጊዜ “ ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ. ..“ ያዜማሉ።

ገጽ 1 ለከ ኃይል….

ሕዝቡ፦እዚ ብዜማ እናተቐበለ ይሰግዳል።

ዘጥዕመ ሞተ በሥጋ

ዘጥዕመ ሞተ በሥጋ

ዘጥዕመ ሞተ በሥጋ

ኦ ዘጥዕመ ሞተ በሥጋ

በ ተሰዓቱ ሰዓት : ምንባብ፥

ሕዝቡ፦እዚ ብዜማ እናተቐበለ ይሰግዳል።

ዲያቁን፦የቅዱስ ዻውሎስ ወደ ፊልዽስዩስ ሰዎች ፪፡፭_፲፩ ያንብብ።ካህናት

ዲያቁን፦ “ኦ ዘጥዕመ ሞተ በሥጋ” ብውርዲ ንባብ እናኽፈለ ያስምዕ።

ሕዝቡ፦እዚ ብዜማ እናተቐበለ ይሰግዳል።

ምስባክወወደዩ ሓሞተ ውስተ መብልዕየ (2)

ወኣስተዩኒ ብሒኣ ለጽምእየ።መዝ ፹፰፡፳፩

ካህናት፦” ዘጥዕመ ሞተ በሥጋ” ብውርዲ ንባብ ያዜማሉ።ሕዝቡ፦እዚ ብዜማ እናተቐበለ ይሰግዳል።

ከማቴዎስ ወንጌል፳፯፡፵፮_፶፡ምራት፦ጊዜ ተሰዓቱ ሰዓት ጸርሐ ኢየሱስ በቃሉ ወይቤ ኤሎሄ ኤሎሄ።

ከማርቆስ ወንጌል፲፭፡፴፪፡፴፯፡ምራት፦ጊዜ ተሰዓቱ ሰዓት ገዓረ ኢየሱስ በቃሉ ወወጽኣት መንፍሱ ሶቤሃ።

ከሉቃስ ወንጌል፳፫፡፴፱_ፍጻሜ፡ምራት፦ጊዜ ተሰዓቱ ሰዓት ከልሃ ኢየሱስ በቃሉ ወኣማኃፀነ ነፍሶ ሶቤሃ።

ገጽ 2 ………..(“በእንተ ጽንዓ ዛቲ……”)

ከዮሓንስ ወንጌል፲፱፡፳፫_፴፡ምራት፦ጊዜ ተሰዓቱ ሰዓት ኣጽነነ ርእሶ ኢየሱስ ወይቤ ተፈጸመ ኩሎ።

መነኮሳት ብታራ ከማቴዎስ፤ክማርቆስ፤ከሉቃስ፤ከዮሓንስ ወንጌል ብምንባብ ናብ ቤተ መቅደስ ይኣትው።ኣብ ቤት መቅደስ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ፤ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፤ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ፤ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን መንበሩ እናዞሩ ኣርብዓን ሓደን ጊዜ እግዚኦታ ያብጽሑ።መዘምራኑ ዳዊት ያስተዝላሉ።ሥዕለ ስቅለቱ ተሽኪሞም መነኮሳት፤ዲያቁናት፤መዘምራንን ሕዝብን ብምዕጃብ ዕውደት ይግበር ።ጸሎት ምስተወሃበ ንዛዜ ይግበር ይፍጸም።

ዓሰርተ ሓደ ሰዓትምንባብ፥ (ሥዕለ) ሥነ_ስቕለቱ ይወርድ።

4

ነኣምን ነኣምን ነኣምን

ሕማሞ በዘኢየሓምሞ

ርግዘተ ገቦሁ ነኣምን

ወቅንዋተ እደዊሁ ነኣምን።

ገጽ ፫በነግሀ

ምስባክ፦መዝ ፴፬

ነኣምን ሞቶ ወትንሳኤሁ።

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ነግህ

ከመ ኪያነ ይቤዙ

እግዚኦ ኮነ ገብረ

እግዚኦ ኮነ ገብረ።

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ኣርዑተ መስቀሉ ፆረ

ኣርዑተ መስቀሉ ፆረ

ይስቀልዎ ሖረ።

ገጽ ፫፤በሠለስቱ ሰዓት

ሰዓት

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ተሰቅለ ተሰቅለ ተሰቅለ ወሓመ ቤዛ ኩሉ ኮነ

በመስቀሎ ቤዘወነ

እሞት ባልሓነ

በመስቀሎ ቤዘወነ

እሞት ባልሓነ

ሰዓት

ገጽ ፫ ስድስቱ ሰዓት


ገጽ ፬ በ ተሰዓቱ ሰዓት

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

እድለቅለቀት ምድር

ወተከስቱ መቃብራት።

ሶበ ሰቀልዎ ሶበ ሰቀልዎ

ሶበ ሰቀልዎ ለእግዚእነ

ፀኃይ ፀልመ ወወርኃ ደመ ኮነ

ወወርኃ ደመ ኮነ።

ሰዓት

እንዘ ይፄዕልዎ ኢፀዐሎሙ

እንዘ ይፄዕልዎ ኢፀዐሎሙ

ወእንዘ ያሓምምዎ ኢተቀየሞሙ።

ንዜኑ ንዜኑ ንዜኑ

ዘኣምላክነ ሒሩተ

ጥሕትና ወየውሃተ

ዘእንበለ ዓቅም።

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

ሃሌ ሃሌ ሃሌ ሉያ

፲፩ ሰዓት

ገጽ ፬ ዓሰርተ ሓደ ሰዓት

183 views0 comments
bottom of page